Quantcast
Channel: Events – Eritrea-Chat.Com
Viewing all 309 articles
Browse latest View live

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ኣብ ከተማ ከለን ንዕለት 14 መጋቢት 2020

$
0
0

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ ኣብ ከተማ ከለን ንዕለት 14 መጋቢት 2020።


መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ከተማ ካይዘርስ-ላውተርን ጀርመን ብመንእሰያት ህግደፍ ተባዒሉ

$
0
0

ማሕበራዊ ዜና፥ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል ንልምዓት“ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ15 ለካቲት ኣብ ከተማ ካይዘርስ-ላውተርን (Kaiserslautern, German) ጀርመን ብመንእሰያት ህግደፍ YPFDJ ዝተዳለወ: ብሃገራዊ ሽማግለ ከተማ ካይዘርስ-ላውተርን ዝተማእከለ: ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ተጸምቢሉ።


መደብ በዓል ስርሒት ፈንቅል ድማ ኣካየድቲ ኣካል መንእሰያት ህግደፍ ካዘርስላውተርን ኣ/ወንበር መንእሰይ በረኸት ተኽለ፡ ጽሓፊ መንእሰይ ሮቤል ብርሃነን ተሓዝ ገንዘብ መንእሰይ ሄርሞን ኣብርሃምን ብሓባር ብዝኽረ ሰማእታት ብድሕሪ ምኽፋት ኣቦ መንበር መ/ህግደፍ ከተማ ካይዘርስላውተር መንእሰይ በረኸት ተኽለ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ስርሒት ፈንቅል ኣብ 1990 በሪ ናጽነት ዝፈለመት ኮይና ኣብ 1991 ከኣ መሉእ ኤርትራ ናጽነቱ ወጺኡ። ኣብ 1998 ብዝተወለዓ ኲናት ካኣ መሊስና ንድሕሪት ተመሊስናን ሰባት ከሲርናን ሃገርና ቑጠባኣ ተዳኪሙ።

2000 ኲናት ደው ምስ በለ ካኣ እገዳ ቀጺሉ ነዚ ውን ህዝብን መንግስትን ብሓያል ተወፋይነትን ጽንዓትን ኣብ መትከሉ ብምጽናዕ ሰገርዎ። ኣብ 2017 ዓ.ም. ዶር ኣቢይ ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ንሰላም ተቐቢለዮ ምስ በለ፣ ፕረሲደንትና ተሓጒሱ ንሕና ውን ተሓጒስና፣ ብሓንሳብ ኮይኖም ይሰርሑ ኣሎው።

ሕጂ ንሕና‘ውን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝፈረሰን ዝተባላሸወን ክንሃንጽ ከነዐርዮን ክንሰርሕ ኣሎና። ስለ ዝኮነ ኸኣ ኣብ ከተማና እንነብር መንእሰያት ኣብ መንእሰያት ህግደፍ (YPFDJ) ተጠርኒፍና ሓንቲ ቻፕተር (Chapter) ከፊትና ኣሎና፡ ኣብ ጎኒ ክቡራትን ክቡራንን ኣብነታውያን
ኣቦታትናን ኣዴታናን ኮይና ክንሰርሕን፡ ሕድሪ ክንቕበልን ድማ ድልዋት ኣሎና ክብል ልቢ ተሳተፍቲ ዝትንክፍ መገለጺ ኣቕረብ።

ቀጺሉ ጽሓፊ መንእሰያት ህግደፍ ካይዘርስላውተርን መንእሰይ ሮቤል ብርሃነ፡ ኣብ ስርሒት ፈንቅል ዘለዎ ልዑል ኣኽብሮት ኣብ ዘቕረቦ፡ 30 ዓመት ከም‘ዚ ሎሚ ፈንቅል ወትሩ ዝዝከር ካብ መዓሙቕ ልቢ ዘይፈሓቕ ዘይፍንቀልን ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ባና ሃገርን ዘርኣየ፡ ኣንፈት ጸላኢ ዝቐየረን ዝሓምሸሸን ፡ ብከረን ክጽበ ክብል ላዕልን ታሕትን ሙዑት ጅግና ተጋዳልይ ብፈጣን ጀልባን ብባሕሪን ብታሕቲ ስጋለት ቀጣን ብእግሪ ፡ ብታንኪን ሓይሊ ባሕሪ ዘርዓመ፡ ኣየወ ኣብ ክንዳና ዝሓልፉ ውፉያት ተጋደልቲ ብሃልሃልታ ሓዊን፡ ኣካል ሰብ ዝመንጨት ጨውን፡ ናብ ደም ዝተቐየረ ቀይሕ ባሕብሪ ሰጊሮም፡ነቲብመሬትንብ ኣየርን ዝወርድ ዝነብረ ደብዳባት ቦምብን ናፓልን መኪቶም፡ ረዚን መስዋእቲ ከፍሎም እዮም ፡ ንስርሒት ፈንቅል ተዓዊቶም ንውሉድ ወልዶ ክብሪ ኣልቢሶም፡ ብግብሪ ንደብሶም ፡ ፍሪኦምን ጽዕሮም መስዋእነቶምን ድማ ናብ ሃገራዊ ረብሓን ዕብየትን ልምዓትን ብልጽግናን ንለውጦ ክብል ን ንኣጋይሽ ዕለተ ፈንቕል ዝመሰጠ ሓያል መልእኽቲ ሃበ።

ኣብቲ በዓል ብሃገራዊ ሽማግለ ናይቲ ከተማ ዝተማእከል ኮይኑ፡ ኣባላት ሃ/ሽማግለ ካይዘርስላውተር ንዝኽሪ ስርሒት ፈንቅልን ነቲ ንብዙሕነት ጸጋታትና፣ ገድላዊ ጉዕዞ፣ ባህሊ፣ ያታን መነባብሮን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣሰቃቒ ኣደራዕ መግዛእቲ ከምኡ’ውን ዝተሰላሰለ ዳግመ ህንጻዊ ስርሓትን ውጽኢቱን ዘንጸባርቕ ኣገደስቲ መልእኽቲ ብጸሓፊ ሃገራዊ ሽማግለ ከተማ ካይዘርስላውተር ኣቶ ረዘን ዮውሃንስ ክቐርቡ ከለዉ፡ ብተቐበልቲ ሕድሪ መንእሰያት ህግደፍ ካይዘርስላውተር ፡ ድማ ታሪኽ ህዝባዊ ግንባር፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምርዳእ ነቲ ጅግንነት ኣቦታቶምን ኣደታቶምን ዘድንቑሉ፡ ናይ ሓበንን ኩርዓትን ዝኽርታት ብምዕዛዝን ዘዅርዕ ሃገራዊ ታሪኽ – ዋንነቱ ናይ ሰራሕቱ ዘይኮነ ብቐንዱ ናይ ወረስቱ ምዃኑ ብምግንዛብ ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ዝገልጹን ካልኦት ብዝተፈላለየ መሰናድኦታት ብምቕራብ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ስርሒት ፈንቅል ኣብ ከተማ ካይዘርስ-ላውተርን ተዛዚሙ።

ኣደ መንበር ሃ/ሽማግለ ናይቲ ከተማ ወ/ሮ ስምረት ወልደገርጊስ፡ በቲ መንእሰያት ህግደፍን ኩሎም መንእሰያት ተሳተፍቲ ናይዚ ጽንብል ብውህደትን ብልዑል ሃገራዊ ኒሕን መንፈስን ካብ ምድላው ክሳብ ምዝዛም መደብ ዘርኣይዎ ንጥፈታትን፡ ብፍላይ ድማ ኣካየድቲ ኣካል
መንእሰያት ህግደፍ ካዘርስላውተርን ኣ/ወንበር መንእሰይ በረኸት ተኽለ፡ ጽሓፊ መንእሰይ ሮቤል ብርሃነን ተሓዝ ገንዘብ መንእሰይ ሄርሞን
ኣብርሃምን ንዘዳልውዎን ዘቕረብዎን መደባት ብምምስጋን ፥ ቀጻልነቱ ንኽዓቢ ብወለድን ወዳቤታትን ዓቢ ኣቕልቦን ደገፍን ከይፍለዮም ኣጥቢቓ ትላቦ። ሃገራዊ ሽማግለ ከተማ ካይዘርስ-ላውተርን፡ ነዚ ምስ መንእሰያት ደቁ ተወሃሂዱ ዘካየዶ መደብ ሓደ ካብቲ ኣብ ኩሉ ከተማታት ክካየደ ዘለዎ ኣብነታዊ ኣገባብ ምዃኑ እዩ።

ዓወት ንሓፋሽ
ክፍሊ ዜናን ሓብሬታን ሃ/ሽ

በዓል 8 መጋቢት –ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ –ኣብ ከተማ ኑርንበርግ

$
0
0

ኤርትራዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብዕለት ፯-7 መጋቢት ፳፻፳-2020።

ቦታ፥  Quibble Location, ጎደና፥ Augustenstrasse 25, 90461 Nürnberg.

8 መጋቢት –ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ –ኣብ ከተማ ፍሪድበርግ-ቨተራው

$
0
0

ኤርትራዊ በዓል ደቂ ኣንስትዮ ብዕለት ፲፬-14 መጋቢት ፳፻፳-2020።

ቦታ፥ Katholische Kirchengemeinde, ጎደና፥ Ludwigstrasse 24, 61169 Friedberg.

ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቀኣንስትዮ –ኣብ ከተማ ከለን ንዕለት 14-3-20 * ኣይካየድን* እዩ ! Eritrean Womans Day Event Not Possible Because Of Corona Virus

$
0
0
ኣህጉራዊ  መዓልቲ  ደቀኣንስትዮ – ኣብ ከተማ ከለን ንዕለት 14-3-20 * ኣይካየድን*  እዩ !
             ዝኸበርክንንዝኸበርኩምን !
ብምኽንያት ኣብዚ እዋን‘ዚ ኣብ ዓለምናን ካባቢናን ተኸሲቱ  ዘሎ ተላጋቢን  ኣስጋእን  ዝኾነ ሕማም        „ለበዳ ቫይረስ ኮሮና“   ምእንቲ ድሕነትን ሓልዮት ጥዕናን ሕብረተሰብና ፡
ንዕለት 14-03-20 ኣብከተማከለንተመዲቡዝነበረ 
ብዓል „ኣህጉራዊመዓልቲደቀኣንስትዮ“ ንግዚኡጠጠውኣቢልናዮኣሎና።

ኩነታትኣብዘፍቅዶእቲበዓልከነካይዶምዃናእናሓበርና ፥ ኩልኹምጉዱሳትብጾትናንዕዱማትናንይቕረታእናሓተትናንኽትርዱኡናድማሓደራንብል።

                      የቐንየልና !

   ኣብከተማከለንንዕለት 14-3-20 ኣይክካየድንእዩ !

Für 14-3-20 geplanten Weltfrauentag in Köln fällt aus!

ህዝባዊ ሰሚናር ኣብ ሃገረ ጀርመን ብዛዕባ ኮሮና ሰዓት 5 ናይ ምሸት – Eritrean Conference In Germany About Corona

$
0
0

ህዝባዊ ሰሚናር ብቴለኮንፈርንስ ንኤርትራውያን ነባሮ ሃ/ጀርመን * 10/04/20 – 14/04/20 ፡ ስዓት 1700 Uhr – Public Seminar via Teleconference for all Eritrean residing in Germany.

መእተዊ ቁ.ተሌ-ኮንፈረንስ ና ሃገረ ጀርመን ሎሚ ብዕለት 10 ሚያዝያ 2020 ካብ ሰዓት 17:00 Uhr*(ነጻ-ክፍሊት)። 0049 221 98882119.
Code: 457315#


ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ፳፻፲፫ – Sene Siriaat Akebabira Beal Meskel 2013

$
0
0

ስነ-ስርዓት ኣከባብራ በዓል መስቀል ፳፻፲፫ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እንዳ ማርያም ኣብ ዋና ከተማ ኣስመራ ናይ ሃገረ ኤርትራ። Sene Siriaat Akebabira Beal Meskel 2013 Ab Bet Kristiyan Enda Maryam Ab Wana Ketema Asmera Nay Hagere Eritrea.

ርሑስ በዓል መስቀል ካብ ከተማ መንደፈራ ፳፻፲፪ – Rhus Beal Meskel Kab Ketema Mendefera 2012

$
0
0

ርሑስ በዓል መስቀል ካብ ከተማ መንደፈራ ፳፻፲፪ – Rhus Beal Meskel Kab Ketema Mendefera 2012.


ርሑስ በዓል መስቀል ካብ መድኃነ ዓለም ኣስመራ ፳፻፲፪ – Rhus Beal Meskel Kab Medhane Alem Asmara 2012

$
0
0

ርሑስ በዓል መስቀል ካብ መድኃነ ዓለም ኣስመራ ፳፻፲፪ – Rhus Beal Meskel Kab Medhane Alem Asmara 2012።

፳፯(27) ማለት ወርሓዊ በዓል ናይ መድኃነ ዓለም።

Viewing all 309 articles
Browse latest View live