$ 0 0 ካብ መላእ ሃገርን ወጻእን ንዝመጹ ተሳተፍቲ 6ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ንምእንጋድ ኣብ ሳዋ ክካየድ ዝጸንሐ ምድላዋት ከምእተጻፈፈ፡ ኣዛዚ ማእከል ትምህርትን ስልጠናን ሳዋ ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ንኤሪና ሓቢሩ። ኣብዚ ብምውህሃድ ሃማመተኤን ሃገራዊ ማእከል ትምህርትን ስልጠናን ሳዋን ኣብ ነፍሲ-ወከፍ 2 ዓመት ዝቃናዕ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት፡ ብፍላይ እንግዶት ኣጋይሽን ተሳተፍትን ብዕቱብ ተታሒዙ ከምዝስራሓሉ ዝጠቐሰ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ካብ ናይ ዝሓለፉ ፈስቲቫላት ተመኲሮ ብምቕሳም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘተኣማምን ኣገልግሎታት ቀረብ ማይ፡ ኤለክትሪሲቲን መጓዓዝያን ከምኡ’ውን መዕረፍን መመገብን ቦታታት ተዳልዩ ከምዘሎ፡ ብተወሳኺ ድማ መስመራት ሃይኮታ – ሳዋን ኣቑርደት – ሳዋን ከምእተጸገነ ኣብሪሁ። ነፍሲ-ወከፍ ተሳታፊ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝቕንየሉ፡ ተዛንዩ፡ ተዘናጊዑን ዘድሊ ፍልጠት ሰኒቑን ንኽምለስ፡ ብኹለን ዝምልከተን ኣካላት ሓያል ጻዕሪ ክካየድ ከምዝጸንሐ ዝሓበረ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኩሉ ምውዳዳት ከምእተዛዘመ ኣነጺሩ። 6th Eritrean Youth Festival in Sawa ኣቦ-መንበር ኣወሃሃዲት ኮሚተ 6ይ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት – መንእሰይ ኣዛዚ በረኸትኣብ ብወገኑ፡ ኣብቲ ካብ 18 ክሳብ 20 ሓምለ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ካብ ኩለን ዞባታት ዝተዋጽኡ፡ ኣብ ዝካየድ ባህላዊ፡ ስፖርታዊ፡ ስነ-ጥበባዊ፡ ፍልጠት ጠቀስ ውድድራትን ሰሚናራትን ዝሳተፉ ዝርከብዎም 4,500 መንእሰያት ከምኡ’ውን ካብ ወጻኢ ዝመጹ ኣስታት 3 ሽሕ መንእሰያት ክሳተፉ ትጽቢት ከምዘሎ ብምብራህ፡ ንክብርታት ህዝቢ ኤርትራ ዘጒልሕ ያታውን ዘመናውን ባህላዊ ንጥፈታት፡ ስእላዊ ምርኢትን ኣብ ብዙሕነትና ንዘሎ ሓድነትን ስኒትን ዘንጸባርቕን ትሕዝቶታት ንምቕራብ፡ ብኩለን ዞባታት ዘድሊ ምድላዋት ተኻይዱ ከምዘሎ ገሊጹ። መንእሰይ ኣዛዚ ኣስዒቡ፡ ብደረጃ ላዕለዋይ ኮሚተ ዝስራሓሉ ዘሎ ናይ መኽፈትን መዕጸውን መደባትን ምርኢት ክላስተርኒክስን’ውን ምድላዋት ይግበረሉ ከምዘሎ ብምንጻር፡ ኣባላት 27 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝዳለውሉ ዘለው ወተሃደራዊ ምርኢት’ውን፡ ንስነ-ስርዓት ምምራቖምን ወግዓዊ ምኽፋት ፈስቲቫልን ልዑል መዓርግ ክህብ ምዃኑ ኣብሪሁ።