Eritrean Independence DAY Celebration report of the cities Mannheim, Cologne, Stuttgart & Berlin.
ኤርትራውያን ነበርቲ ከተም ማንሃይምን ከባቢኡን ጽንብል ናጽነት ብልዑል ሓበን ኣብዒሎም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተም ማንሃይምን ከባቢኡን መበል 23 ዓመት ጽምብል በዓል ናጽነት ኤርትራ ፡ “ንርህው ጽባሕ፡ ሎሚ ንስራሕ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብ 23 ግንቦት ፡ ብብዝሒ መንእሰያትን ሕጻናትን ተሳተፍዎ ብኽብ ዝበለ መዓርግን ብድምቀትን ኣብዒለሞ።
ወግዓዊ መደብ ጽምብል በዓል ናጽነት ኤርትራ በዓል ዝክሪ ሰምእታት ብድሕሪ ምክያድ ብተመሃሮ ቋንቋ ኣደ ማሕበረሰብ ከተማ ማንሃይም ብሃገራዊ መዝሙር ተኸፍተ። ስዒቡ ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ከተማ ማንሃይም ብኣቶ ሰመረ ገብረሃንስ ንተሰተፍቲ መደብ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲን ፡ ረዚን መግለጺ በዓል ናጽነት ኤርትራ ብድሕሪ ምቅራብ ተስትፍቲ ጽንብል ኣብቲ ነታ ክብርቲ ዕለት ዘንጸባርቕ ፕሮግራማት ብዊዕዉዕ ሃገራዊ ወኒ ምውሳእ ጀመሩ።
ስዓቱ ምስ ኣኸለ መደብ ቶርተን ሻምፓኝን ብካብ ኩለን ሃገራውያን ሓይልታትን ጉጅለታትን ብዝተዋጽኡ ውሁዳት ሽማግለታት ከተማ ማንሃይም ከባቢኣን ብውዕዉዕ ጣቕዒትን እልልታን ካካየድ ከሎ ፡ ፡ ብወናም ድምጻዊ ኣቶ ኣማንኤል ገ/ሄር (ኖርወይ) ወኒ ሰባት ብዝቕስቅስ ባህላዊን ዘመናውን ሙዚቃን ሳዕስዒትን ብምቕራቡ ፡ ነቲ በዓል ዝያዳ ድምቀት ሃቦ።
መበል 23 ጽምብል ናጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ ማንሃይም ንኹሎም ተሰተፍቲ በዓል ነቲ ስጡም ሃገራዊ ሓድነቶም ዘበርኽ ፡ ብርቱዕ ሃገራዊ ፍቕሪን ኒሕን ዝሰፈኖ ሃዋህው ንምንባሩ ፡ ዕዉት በዓል እዩ ተኻይዱ።
ንርህው ጽባሕ ሎሚ ንስራሕ! ወትሩ ዓወት ንሓፋሽ ክፍሊ ሓብሬታ
ማሕበረ-ሰብ ማንሃይምን ከባቢኣን ዕለት 27. 05.2014
Eritrean Independence Day Celebration in Berlin 2014
ጽምብል መበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ
ኣብ ከተማ በርሊን ጽምብል መበል 23 ዓመት ናጽነት ኤርትራ ኣብ ከተማ በርሊን ብኽብ ዝበል ድምቀት ተባዒሉ: ኣብቲ ዕለት ቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ሃገር ኤርትራ ኣቶ የውሃንስ ወልዱ ኣብ ዘስምዖ ቃል ወትሩ ዓወትን ኣብ ሓድነትና ኢዩ እሞ ተጻባእቲ ኤርትራ ንኤርትራ ንምብርካኽ ዝኣልሙዎ ውደት ዕርቃት ወጺኡ ጉልባብ ኣብ ዘይብሉ ቅርዓት ተሪፉሉ ኣብዘሎ ኣዋን ነኽብሮ ብምህላውና ንክቡር ህዝቢ ኤርትራን ምዑታት ምክልኻሉን ዮሃና ነዛ ክብርቲ ዕለት ይኹን ኢሉ::
እቲ ጽምብል ብመደባት ህጻናት ዝማዕረገ ብውዕውዕ መንፈስ ተኻይዱ:: ህዝቢ ድማ ከም ወትሩ ኣብ ጎኒ መንግስቱ ከምዘሎ ኣርጋጊጹ:: ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ብሙዚቃ ዝደመቐ ምሽት ኣምስዩ::
ዓወት ንሓፋሽ ማሕበረ ኮም በርሊን
25.05.14