$ 0 0 ዕዉት ዝርርብ ኣብ ሞንጎ ጀርመናውያን ኣባላት ምምሕዳር ከተማ ከለን- ኮርቫይለርን ማሕበረ ኮም ከለንን ከባቢኣን ምምሕዳር ከተማ ከለን- ኮርቫይለር ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዙ ምስቶም ኣብታ ከተማ ዝቕመጡ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ብዛዕባ ባህልን ልምድን፤ ሃይማኖትን ኣነባብራን፤ምስቲ ትቕመጠሉ ዘሎኻ ሃገር ተዋሃሂድካምንባርን (ኢንተግረሽን ) ዘጋጥሙኻ ጸገማትን ዝብሉ ዛዕባታት ሒዙ ክጎዓዝ ጸኒሑ። ሎሚ ዓመት እውን ብምቕጻል እቲ ምምሕዳር ጀርመናውያን ብምዕዳም ምስ ማሕበረ ኮም ከለንን ከባቢእን ንምልላይን ነዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ዛዕባታት ሒዙ ብዕለት 02.02.2014 ዘተ ምስ ህዝቢ ኣበገሰ። ብወገን ማሕበረ ኮምና ኣቶ እስቲፋኖስ ወልደማርያም ኣብቲ ምምሕዳር ኣባል ስለ ዝኾነ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ምቅርራብ ብምግባር፤ ምስ ኣብ ወንበር ማሕበረ ኮም ኣቶ ኢድሪስ ዑመርን ኣቶ ዮናስ ጸሃየን ምስ ኣባላት ማሕበረ ኮምና ብምርኻብ ኣድላዪ ዘተን ውዳበን ተኻይዱ ናብቲ ዘተ ተዳሊና ከም ንመጽእ ተገይሩ። ብተወሳኺ ውን እዞም ሰለስተ ኣባላትና ንነዊሕ ግዜ ምስቲ ምምሕዳር ብዙሕ ኣኼባታት ይካየድ ከም ዝነበረ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዘተ ብማርቲን ስታንኮቭስኪ ዝበሃል ናይ W.D.R. ጀርመናዊ ጋዜጠኛ ተኣልዩ እዩ ተኻይዱ። ጋዜጠኛ ን ኣቦ ወንበር ማሕበረ ኮም ኣቶ ኢድሪስ ዑመር መዓስ ናብ ጀርመን ከም ዝመጽአን ከመይ ከም ዝመጽአን እብዚ ዓዲ እንታይ ከም ዝገብርን ከምኡ ውን ማሕበረ ኮም ከለን መዓስ ከም እተጀመረን ክንደይ ኣባላት ከም ዘለውዎን ቁጽሪ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮ ክንደይ ከም ዝኸውንን መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ብኸመይን ስለምንታይን ኣብ ኤርትራን ኣብዝን ከም ዝኸብርን ወዘተ ዝብል ሕቶታት ኣቕረበሉ። ኣቦ ወንበር ብወገኑ ነቲ ሕቶታት ብምምላስ ዘረብኡ ደምደመ። ብድሕርዚ ጀርመናውያንን ኤርትራውያንን ብሓንሳብ ኣብ ዝተፈላለየ ጣዋሉ ኮፍ ኢሎም (ብዎክ ሾፕ መልክዕ) ብዛዕባ ኢንተግረሽን፤ ሃይማኖታት ኣብ ኤርትራ፤ ወግዕን ባህልን ኣብ ኤርትራ ከምኡ ውን ትምህርትን ንሕናን ኣብዚ ከተማ ዝብሉ ዛዕባታት ብምውራድ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል ዘተ ተኻይዱ። ካብ ነፍስወከፍ ጣውላ ኸኣ ሓደ ወይ ክልተ ብዝያዳ ብመንእሰያት ብምውካል ኣብ ቅድሚ ኣኼበኛ ብምውጻእ ምስቲ ጋዜጠኛ ብሕቶን መልስን መልክዕ ኩሉ ከም ዝፈልጥ ተገይሩ። ኣብ ኢንተግረሽን ወይ ከኣ ምስቲ ትነብረሉ ሃገር ተዋሃሂድካ ምንባር ብዝምልከት፥ ተዋሃሂድካ ምንባር በቲ ወዲ ሃገርን በቲ ኣብቲ ሃገር ንኽነብር ዝመጽእ ዘሎ ሰብን ክስርሓሉ ዘለዎ ጉዳይ ኮይኑ እቲ ምምሕዳር ብወገኑ ውን ክደፍኣሉ ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ኣብ ትምህርቲ ዝምልከት ኣብ ማሕበረ ኮምና ወለዲ ንትምህርቲ ኣድላይን ወሳንን ኣብ መጻኢ ህይወትካ ጌሮም ከም ዝርእይዎን ንደቆም ውን ኣብ ትምህርቲ ክነፍዑን ክከታተሉን ከም ዝሕግዝዎም ተገሊጹ። ጉዳይ ሃይማኖታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከኣ ሃገርና ክልተ ዓበይቲ ሃይማኖታት ከም ዘልዉዋ፤ ኣመንተን ነንሕድሕዶም ተኸባቢሮም ብውህደት ከም ዝኸዱን ናይ ሓባር በዓላት ብሓባር ከም ዘሕልፉን ብተወሳኺ ኣብ ኤርትራ ሃይማኖት ናይ ውልቂ ሃገር ግን ናይ ሓባር ከም ዝኾነን ተገሊጹ። ኣብ ባህልን ኣነባብራን ህዝብና ጽቡቕ ባህሊ ከም ዘለዎን ጎዳእቲ ባህልታት ዝበሃሉ ከም ክሽቦን መርዓ ትሕቲ ዕድመን ብሕጊ ውጉዝ ከም ዝኾነን ብተወሳኺ ውን ነዚ ንምክልኻል ብማሕበራትን ትካላትን ጉስጎሳ ከም ዝግበር ተገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ጋዜጠኛ ማርቲን ስታንኮቭስኪ ንኣኼበኛ ኤርትራን ኣባላት ማሕበረ ኮም ኤርትራውያን ኣብ ከተማ ከለንን ከባቢኣን መላለዪ ተገይሩ ከም ዘሎን፤ እዚ ኣብዛ ከተማ ወይ ኣብዚ ሃገር ዝነብር ኤርትራዊ ከምቶም ቅድሚ ሕጂ ንስራሕ ኢሎም ሃገሮም ዝገደፉ ህዝብታት ፍልይ ዘብሎ ብዙሕ ቃልስን ናይ ህይወት ጉዕዞን ዘሕለፈ ህዝብን ከም ዝኾነ መጠን ምዕቡል ኣረኣእያ ከም ዝውንን ብምባል ዛዕባታቱ ዛዘመ። ዓወት ንሓፋሽ ክፍሊ ሓበረታ ማ/ኮም ከለንን ከባቢኣን