Eritrean Fundraising Event: Pictures of G3 Asmara Fundraising Party For Bekis Children (Scroll Down for Pictures)
“ሎሚ ንፋቐር”
ጽሓይ ዓሪባ። ብርሃን ግን ኣይረሓቐን። ቀጽሪ ኤክስፖ፡ ድምቀቱ ኣይነከየን። ዋሕዚ ሰባት ጃሕጃሕትኡ ቀጺሉ። እቲ ቁጽሪ መመሊሱ ይውስኽ። ከባቢ ሞለቨር ክለብ መሕለፍ መካይን ስኢኑ። ግሩም ኣልባሳት ዝተኸድኑ፡ ዕዱማት ናብ ኣድራሽ G-3 የምርሑ። ኣፍደገ እቲ ዓቢ ኣደራሽ፡ ክልተ ሰደቓ ተነቢሩዎ። እቲ ሓደ ሰደቓ፡ ዲቪዲ። እቲ ካልኣይ ሰደቓ ድማ ካናቴራ። የማናይ ኩርናዕ ናብ ልዳት ውሻጠ ዘእትው ቦታ፡ ብቤት ስእሊ መሰረት ዝተዳለወ ድሕረ ባይታ ስእልታትን ቦታ ስእልን ተዳልዩ ይጽበ። ናብ ውሽጢ ዘሕልፍ ልዳት ወሰን ክልተ ከዋኽብቲ ተዋሳእቲ ዕምበባ ጽጌረዳ ሒዘን ይጽበያ። ኣብ ጐነን ቡክለት ዝዓይነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ዝሓዙ ኣሰለፍቲ ንምዕዳል ይጽበዩ። ብስግሮም ብክለብ ቦሎኛን ሞለቨርን ዝተዳለወን እንግዶት ቊርሲ ዝዕድሉ ኣሰለፍቲ ይጽበዩ። እቲ ሰዓት ኣኺሉ። ሰዓት ሽዱሽተ። ምእታው ጀሚሩ። ስነ ጥበበኛታትን ስድራቤት ስነ ጥበብን በብሓደ ናብ ውሽጢ ይኣትዉ። ሚኒስተራት፡ ኣምባሳደራትን ላዕለዎት ሓለፍቲ ግንባርን መንግስትን ሰዓቶም ኣኽቢሮም ይኣትው። እቲ ኣዳራሽ ናይተን ነቲ መደብ ክውን ዝገበራ ኣብያተ ማሕተምን ኣብያተ ስእልን ዓበይቲ ኣሳእልን ነፍስሄር ስነ ጥበበኛ ወይንሃረግ ሃይለ ኣወቂበአን ይርኣያ።

መድረኽ’ውን ኣሎ። ኣብ ትሕቲኡ ናይ ጉጅለ ሙዚቃ መሳርያ ተሰናዲኡ። እቲ ኣቃዉማ ማራኺ ኢዩ። ኲሉ እዩ ተዓጢቑ። ውሕሉል ውዳበ። መደብ ብህቡብ ስነ ጥበበኛ ግርማይ ዮውሃንስ ሳንዲያጎ ፈሊሙ፣ ብዝክረ ሰማእት። ቃል ኮሚተ ብደበሳይ ወልዱ ቀሪቡ። ሰብ መዋቲ ኢዩ። ነባሪ ስራሕ እንተገዲፉ ግን ነባሪ ይኸውን። እዚ እቲ ኣቐዲሞም ዝሓለፉ ኣያታትና ዘይገበርናዮ ግን ከኣ ክንቅጽሎ ዝኾነ መደብ ሕድሪ ዘሰክም ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ንምዕዋት ናይቲ መደበ ዝተዋስኡ ኩሎም ኣካላት መንግስትን ውልቀ ሰባትን ብፍላይ ከኣ ንሚኒስትሪ ዜና፡ ባህላዊ ጉዳያት ህግደፍን ሃማመተኤን ወሃብቲ ኣግልግሎትንን ኣብያተ ማሕተምን ኣመስጊኑ።
መንእሰይ ሙሴ ዘካርያስ(ወዲ ዘኩ) ብክራሩ ደም ኣንቢዕክና ኢሉ። ትዝታ ፈሊሙ። ስቕታ ነጊሱ። ክራር ኣስቆርቊራ። ግጥሚ ስዒቡ። ብኣቶ ሃይለ ገብረገርግስ። እቲ ምቘት፡ ክልተ ክልተ ኮይኑ። ኣዳራሽ ክብረትን ናፍቖትን መሊኡ። ድሙቕ መንፈስ ሓበን ነጊሱ። ማማ፡ ፍርያት ዮናስ ምሕረትኣብ ማይናስ ብመሳርሕቱ ህጻናትን ጉጅለ ማይናስ። እናተቐባበሉ ኣብ ልቢ ተሳተፍቲ ዓሊቦም። በብልዓቱ እዩ ቀጺሉ። ንሞያዊ ብሞይኡ። ናይ ምውሳእ ድራማዊ ውድድር። መን ንወይንሃረግ መሰለት። ብቭድዮ ተመሪሑ ተኻዪዱ። እቲ ውድድር ብምጽራይ ናብ መወዳእታ በጺሑ። ምድፍናቕ ኣኸቲሉ። ዝኽርታት ወይንሃረግ ሃጢሩ። ግጥሚ’ውን ስዒቡ። ብስነ ጥበበኛ መምህር ጠዓመ ኣረፋይነ ዝተደርሰት ብተዋሳኣይ ኣማን ሓምድ ባድሻ ቀሪቡ። ክብን ለጠቕን ስምዒታት ቀጺሉ።
እቲ ማዕበል መሊሱ ወሲኹ። ምኽንያቱ ህጻን ሉል ፍሰሃየ ጓል ወይንሃረግ ምስ ተዋሳእቲ ሄኖክን ኣማኑኤልን ተኽለን ቀሪቡ። ንብዓትን ስሓቕን። ወይኒ ወይኒ ገዲፋ። ምስ ተውህቦ ዝተወልደት ውላድ ሉል ንተሳተፍቲ ናብ ክግምትዎ ዘይክእሉ ርሕቀት ሓሳብ ወሲዳቶም። ቀጺሉ መደብ። ጨረታ ስእልታት ቅብአ። ብስነ ጥበበኛታት ፍረዝጊ ፍሰሃየን ተስፋኣለም ኣጠናውን ዝተሳእላ መሰለት ወይኒ ሃረግ። ጨረታ ብግርማይ ዮሃንስ ሳንዲያጎን ዮናስ ምሕረትኣብ ማይናስን ኢዩ ተመሪሑ። እታ ብፍረዝጊ ዝተቀብአት በዓልቲ ቊኖ ወይኒ ሃረግ፡ ብስም ዋርሳ ኢንተርፕራዝ ሙልጌታ ቁስሙ 35 000 ናቕፋ ተዓዊትላ። ተዓዊቱ’ውን ንስድራቤት ወይንሃረግ ወፊዋ። ብተስፍኣለም ኣጠናው ዝተቐብአት ኣፍሪቃዊ ምሻጦ ፍሪዝ ወይንሃረግ፡ ብ40000 ብስምሃፒ ፓፕ ተዓዊቱ። ድምጻዊት ሰምሃር ዮውሃንስ፡ ቻው በሊ ኣዝማሪኖ እትብል ግጥሚ ኣርያም ወልደኣብ፡ ዜማ ሬገን የማነ ኣዚማ። ምስቲ ልስላሴ ዜማ ዝውንጭፍ ጣዕሚ ኣተኣላልያ ድምጺ!
ኣርባዕተ ዲዛይነራት ዝወፈዩዎ ኣልባሳት፡ ብኣርባዕተ ተዋሳእቲ ንምርኢትን ጨረታን ቀሪቡ። ኣለምጽሃ ዝወፈየቶ ሳራ፡ ብHT ዝተወፈየ ሜሮን ሃይለ፡ ብነጋስን ሚሮንን ዝተወፈየ መረብ እስቲፋኖስ ብልኡል (ዓይኒ) ዝተወፈየ ድማ ወደምለሶም ንምርኢት ኣቕሪብዎም። ራካ ነቲ ናይ ጨረታ ምቘት ነዳዲ ዝውስኽ ዝነበረ ትካል ኢዩ። ገጣማይ መለስ ንጉሰ ድማ፡ ወይንሃረግ እትብል መሳጢትን ተንካፊትን ግጥሚ ኣንቢቡ። ብሙዚቃን ትልሂትን ዝተሰናድአት ሎሚ ንፋቐር ዘርእስታ ደርፊ ድምጻውያን ዳንኤልን ኤደንን ነቲ መደብ ናብ ጥርዚ ዝሰቐለ ትሕዝቶ ኢዩ። ካልኣይ ውድድር መን መሰለት ንወይኒ ካብ ሓንቲ ምርኢት ድራማ ቬሎ ቀሪባ። ሄልን ርያለ፡ ሰናይት ሓጎስን ሲዶን ረድእን ተወዳዲረን።
ቅድሚ ናብ ምውዳቕ ዕጫ ቶምቦላ፡ ብታን መልኣኩ ዝተገጥመትን ብተኽለ ፋኑስ ማዕረባ ዝተዘየመት ለካ ኣለዉኒ ዘርእስታ ደርፊ ድምጻዊ ኣስመሮም እዮብ ብዙሓት ተሳተፍቲ ክሽልምዎ ዘብቕዐት ደርፊ ኢያ። ቶምቦላ ወዲቑ። ካስኮ ረሲቨርን ካብ ውሽጢ ተዓዊቶምለን። ናብ ሽልማት መን ትመስል ንወይኒ ቀጺሉ። ካብ ሰዓብቲ ወይኒ፡ ቀዳመይቲ ሜሮን ሃይለ ብኣካኪ ዝተቐባአት ስእሊ ወይኒ ካብ ኢድ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ፡ ካብ መዋስእቲ ወይኒ ቀዳመይቲ ሲዶን ረድኢ ካብ ኢድ ሚኒስተር ኣስካሉ ወ/መንቀርዮስ ተቐቢለን። እቲ መደብ ድማ በታ ልቢ ዝተንከፈት ሙዚቃ ሎሚ ንፋቐር ተዛዚሙ።