Quantcast
Viewing all articles
Browse latest Browse all 309

Pictures of Seminar –ዕዉት ሰሚናር ቁጠባዊ ወፈያን ብምኽንያት 3 ታሕሳስ መዓልቲ ስንኩላን ኤርትራ


ሃማደኤ ንኡስ ጨንፈር ከለን ጀርመን ብዘዳለውኦን ብዝጽውዖኦን ዕድመ መሰረት ብምግባር ብዕለት 28/11/2015 ስንኩላት ሓርበኛታትና ካብ ተጸበይቲ ናብ ኣፍረይቲ ንቐይሮም ኣብ ዝብል ቴማ ሰሚናር ተኻይዱ፡፡

መደብ ብዝኽሪ ሰማእታት ብድሕሪ ምኽፋት ፡ ኣደ መንበር ሃ.ማ.ደ.ኤ. ንኡስ ጨንፈር ከለን ወ/ሮ ልኡል ተወልደ ንተሳተፍቲ ብድሕሪ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩ ጽቡቕ ምንዮታ ፡ ብምኽንያት መዓልቲ ስንኩላን ኤርትራ ብሃማደኤ ጨንፈር ጀርመን ተዳለወት ረዚን መልእኽቲ ብምቕራብ መደብ ሰሚናር ተኸፍተ።

ኣብዚ ዝተገብረ ሰሚናር ኣቦ ወንበር ማሕበር ስንኩላን ሓርበኛታት ኤርትራ ሽቱትጋርት ኣብ ጀርመን ብኣቶ ሑሴን ከሊፋ ኢድሪስ (ሳሕበይ) ከምኡ ውን ብኣቶ ተወልደ ተስፋይ ሰፊሕን ኣዕጋብን መግለጺ ሂቦም። ኣብቲ ብስእላዊ መግለጺ ተሰንዩ ዝተዋህበ መግለጺ ማሕበር ስንኩላን ሓርበኛታት ኤርትራ ሽቱትጋርት መዓስ ከም ዝተመስረተን ምስ ዝተፈላለዩ ውልቀ ሰባትን ማሕበራትን ከም ዝሰርሕን ክሳዕ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎን ዓሚምዎ ዘሎን ስራሕን ናይዚ ቅዱስ ዓላማ ደገፍ ረኺቦም ኣብ ህይወቶም ናይ ጥዕናን መበብሮን ኣወንታዊ ውጽኢት ዝረኸብሉ ዜጋታት ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ቀሪቡ።

Image may be NSFW.
Clik here to view.
Eritrean Pictures of Seminar

እዚ መቐጸልታ ናይቲ ኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ንኡስ ጨንፈር ጀረመን ኣብ በብከተምኤን ካብ 2009 ዓ.ም. ጀሚረን 3 ታሕሳስ መዓልቲ ስንኩላን ብምዝካር ኣብ ከበቢኤን ዘሎዉ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታን ብምስታፍ ኣብታ ዕለት ዝተረኽበ ኣታዊ ምስ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራውያን ኣብ ሽቱትጋርት ጀርመን ብምትሕብባር ኣብቲ ብመንግስቲ ኤርትራን ብማሕበር ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ (ማ.ስ.ኵ.ተ.ኤ) ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት ንኽውዕል ክሳብ ሕጂ ዘበከትኦ ቁጠባዊ ደግፍ ዓቢ ኣበርክቶ ብምዕዛዝ ፡ ቀጻልነቱ ንኽዓቢ ተላበወ። ብተውሳኺ ኣብቲ መግለጺ እቲ ማሕበር ካብ ህዝብን ብሓልዮት ህዝብን ስለዝንቅሳቕስ ሓገዝ ካብ ህዝቢ ክይፍለዮ ኣተሕሳሲቡ። ኣብ መወዳእታ ኣካየድቲ ሰሚናር ንዝቐረበሎም ሕቶታት ኣዕጋቢ መልሲ ሂቦም።

ተሳተፍቲ ሰሚናር ብወገኖም ስንኩላትና ነብሶም ንምኽኣል ዝግበር ጻዕሪ ኣብ ጎኖም ከም ዘለዉ ሓቢሮም፡ እዚ ኵናት ስንኩላትና ንምሕጋዝ ዝተወሰደ ስጉምቲ ኩሉ ግዜ ዕዉት ግብራውን ንምግባሩ ብዝተወስደ ንጥፈታት ኣብዚ ምሸት’ዚ ብወፈያ ዝኣተወ 1456€ (ይሮ) ብመገዲ ማሕበር ስንኩላን ኤርትራውያን ሽቱትጋርት ንማሕበር ስንኩላን ኵናት ተጋደልቲ ኤርትራ (ማ.ስ.ኵ.ተ.ኤ) ተወፍዩ።

ተሳተፍቲ ብዓል ኣብቲ ብኣባላት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ተወደበ መዘናግዒ መደባት ብምውሳእ ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ፡ ነዛ ክብርቲ ዕለት ብቐጻሊ ኣበርክትኦም ንኸዕዝዙ ድልዋት ምዃኖም ቃል ብምእታው ፤ መደብ መዓልቲ ስንኩላን ኣብ ከተማ ከለን ብዓወት ተዛዘመ። ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰውኣትና ዓወት ንሓፋሽ ሃማደኤ ንኡስ ጨንፈር ከለን


Viewing all articles
Browse latest Browse all 309

Trending Articles