Eritrean Event: Diashow of Fenkil Celebration in Cologne – 14 February 2015.
ዕዉት ጽንብል ኣብ ከተማ ከለን
ብዕለት 14.02.2015 ማሕበረኮም ከለንን ከባቢኣን ብምውህሃድ ሃገራውያን ውዳቤታት ከተማ ከለንን ዝተሰናደኤ: መንእሰያት ዝመሕዎ ዕዉት ጽንብል ብሩራዊ ኢዮብልዩ ስርሒት ፈንቅል ተጸንቢሉ።
ነቲ ባብ መላእ ሓርነት ኤርትራ ዘርሓወ መስተንክራዊ ስርሒት ፈንቅል፡ “ፈንቅል፡ ጩራ ምሉእ ብርሃን“ አብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ብብዝሒ መንእሰያትን ሕጻናትን አብ ዝተሳተፍሉ ብክብ ዝበለ ሓበንን ናይ መኸተ ወንን ዘኪሮም።
መደብ ብዓል ብዝኽረ ሰማእታታን ሃገራዊ መዝሙር ኤርትራ ብድሕሪ ምኽፈት መንእሰይ ዘመንፈስ ተኽለዝጊ ንተሳተፍቲ ናይ ደሓን መጻእኩም ምንዮቱ ብድሕሪ ምቕራብ ፡ ኣስዒቡ መንእሰይ ምኪኤል ሃይለ ድማ ነታ ክብርቲ መዓልቲ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ጽሑፍ፡ ስርሒት ፈንቅል አብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ነጥበ መቐይሮ ዝፈጠረን፡ ሓደ ካብ ዓበይቲ ታሪኻውያን ፍጻሜታት ቃልስና ከምዝኮነን ተገሊጹ፡ ነዚ ብረዚን ጻዕርን ብከቢድ መስዋእትን ዋጋን ዝጨበጥናዮ ዓወት ገድላዊ ቕርሲ ዝወራረስ ዕጥቂ ኮይኑ ንዝተፈጸመ ኤርትራዊ ጅግንነት አብ ልዕሊ ምትራኽ ንመጻኢ ወለዶ ተበጃውነትን ዘበሰርን ሕድሮም ክንፍጽም ሓላፍነት ዘሰክመናን ናይ ዘንተ ዕለት ናይ ክብሪ ሃገራዊ ሓወልቲ ምዃኑን ኣዘኻኺሩ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ: ህጻናት ታሪኽ ስርሒት ፈንቅል ንኽፈልጡ ናይ እናኣዘናጋዕካ ምምሃር ብልሓት ዘለዎ ኣገባብ: ናይቲ መደብ መሃርን መሳጥን ምንባሩ ደስ ዘብል ነይሩ።
ብጀካ‘ዚ ብርክት ዝበሉ ኣብ ዓዲ ዝዓበዩን ኣብ ወጻኢ ተወሊዶም ዝዓበዩ መንእሰያት ድምጻውያን ብውህደት ዝተሳተፍዎ ድሙቕ ናይ ትልሂት መደብ: ንጽንብል ኢዮበልዩ ስርሒት ፈንቅን ተወሳኺ ድምቀት ሂብዎ ኣምስዩ።
ዓወት ንሓፋሽ
ማሕበረኮም ከለንን ከባቢኣን ምስ ሃገራውያን ውዳቤታት ከተማ ከለን